ናብ ክኑደን እንቋዕ ብደሓን መጻኹም –ባህላዊ ቤት-ትምህርቲ ክሪስትያንሳንድ!

ባህላዊ ቤት-ትምህርቲ ክኑደን-ክሪስትያንሳንድ ንኡስ-ዞባዊ(ኮሙናዊ) ባህላዊ ቤት-ትምህርቲ ቆልዑን መንእሰያትን እዩ። እዚ ስልጠና ድሕሪ ንቡር ትምህርቲ ዝወሃብ ኮይኑ ኣብዞም ዝስዕቡ ዓውድታት ብብቑዓት መምሃራን ይወሃብ።

  • ስእላዊ ስነ-ጥበብ - ምቕባእ, ምስኣል, ካይላ ተመሳሳልን።
  • ደርፊ(መዘምራንን ብንጽልን)
  • ሳዕስዒት (ዝተፈላለዩ ቅድታት ሳዕስዒት)
  • ባንድ(ጃዝ/ፖፕ/ሮክ)
  • ኦርኬስትራ(ክላሲካል)
  • ትያትር ሙዚቃውን ብዘይ ጽሑፍ ብቕጽበት ዝስራሕ ተዋስኦን
  • መሳርያታት ሙዚቃ (ኩሉ ዓይነት)
  • ሰሳም/ካሩሰል – መፈተኒ ኣብ ባህላዊ ቤት-ትምህርቲ ዘለዉ ዝተፈላለዩ መደባት
  • ፈጠራዊ ጽሑፍ-ዛንታታት ብፈጠራ ከተፍሪ ንትደሊ
  • ኮምፕዩተራዊ ስነ-ጥበብ ( ኮምፕዩተር ኣርትስ)
  • ስነ-ኪነት ሙዚቃ(ተክኖሎጂ ሙዚቃ
  • ምጽሓፍ ሙዚቃ
  • ተክኒካዊ መዳያት መድረኽ
  • ዝተዋደደ ኣመሃህራ

እቶም ዝተፈላለዩ መደባት ዝተፈላለዩ ዋጋታት እዩ ዘለዎም፣ ከምኡ ድማ መሳርያታት ሙዚቃ  ከድልየካ ከሎ ክትልቃሕ ትኽእል ኢኻ።. ብነጻ ክትሳተፍ ዕድል ክወሃበካ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

ኣብዚ ድማ ብእንግሊዘኛ ብዛዕባ እዚ ባህላዊ ቤት-ትምህርቲ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣሎ፣ መራኸቢ

 ኣብዚ ንርከብ

በዚ መራኸቢ ሓበሬታ ተወከሰና:

ተለፎን 38148730
ኢመይል: post.kulturskolen@kristiansand.kommune.no

ኣብዚ ብጽሑና

Silokaia

Sjølystveien 20

4610 Kristiansand
ቤት-ጽሕፈት ዝኽፈተሉ ግዜ: ሰኑየ ሰሉስ  ሰዓት 08.00–15.30

Søgne: Tangvall skole- og idrettssenter

Sentrumsveien 20
4640 Søgne
 

Noden
Songdalsvegen 48, 4645 Nodeland
ቤት-ጽሕፈት ዝኽፈተሉ ግዜ:

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተኸታተለና

Facebook
Instagram